KOOFRA – Koordinierungsstelle gegen Frauenhandel e.V. Hamburg
 +49-(0)40–67999757

Infos in 35 Sprachen

 
<

.

...

>
 

ሓበሬታ ኣብ ሃምቡርግ ብዛዕባ ንናይ ጾታዊ ምዝመዛ ዝዓለመ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት

  • ኣብ ምንዝርና ክትሰርሒ ተገዲድኪ ዶ?
  • አቲ ኩነታት ናይቲ ዕዮ ምንዝርና ዘይጽወር ወይ ድማ ሕማቕ ድዩ?
  • ብናጻ ክትውስኒ ኣይፍቐደልኪን ድዩ? ማለት

አትቕበልዮም ዓማዊል ክትውስኒ

ዝደለኽዮ ኣገባብ ናይ ጾታዊ ርክብ ክትውስኒ

ዝደለኽዮ ዋጋ ክትቕበሊ

  • ገንዘብኪ ባዕልኺ ክትሕዝዮ ኣይፍቐደልኪን ድዩ?
  • ሓገዝ አትደሊ ሰብ ትፈልጢ ዲኺ?
  • ሓበሬታ ትደልዪ ዶ?

ብኽብረትኪ ደውልልና።

አቲ ዝወሃብ ምኽሪ ኣብ ሞንጎና ምስጢር ወይ ምስጢሩ ዝተዓቕበ እዩ።

ካብ ስምምዕኪ ወጻኢ እንገብሮ ነገር የለን።


ዌብሳይትና : www.koofra.de

ኢሜይልና : info@koofra.de

ቴሌፎን : +49-(0)40 – 67 999 757

ናይ ዝርርብ ስዓታት : ካብ ሶኑይ ክሳብ ሓሙስ 11:00 – 17:00 Uhr, ዓርቢ 11:00 – 14:00 Uhr

ኣብዘይሃለናሉ አዋን ድማ ቑጽርኺ ምስ መልአኽትኺ ኣብቲ ኣንሰሪን ማሺን ግደፍልና።


ንጾታዊ ምዝመዛ ዝዓለመ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት

  • ንኩሎም ዓማዊል ንክትቕበሊ ትግደዲ
  • ንናይ ዓማዊል ጾታዊ ድሌታት ክትነጽጊ ኣይፍቐደልክን
  • ብዘይመከላኸሊ(ኮንዶም) ንክትሰርሒ ትግደዲ
  • ፓስፖርትኺ ወይ ውን ናይ መጎዓዝያ ወረቓቕትኺ(ትራቨል ዶኩመንት) ተወሲዱልኪ
  • ናጻ ከይትንቐሳቐሲ ቑጽጽር ይገብረልኪ
  • ዋጋ ባዕልኺ ክትውስኒ ኣይፍቐደልክን
  • ኣብ ስራሕ ከተዕርፊ ወይ ውን ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ኣይፍቐደልክን
  • ኣብ ስራሕ ከተዕርፊ ወይ ውን ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ኣይፍቐደልክን
  • ብምኽንያት ዕዳ ጸቕጢ ዝገብረልኪ ኣካል ኣሎ
  • ኩሉ ወይ ክፋል ናይ ኣታዊኺ ከተረክቢ ትግደዲ
  • ናይ ስራሕ ፍቓድ ወይ ወረቐት ስለዘይብልኪ ጸቕጢ ይግበረልኪ
  • አንተሓሚምኪ ናብ ሓኪም ክትከዲ ኣይፍቐደልክን

አዚ ልዕል ኢሉ አተገልጸ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት ክኸውን ይኽአል።

ዋላ ተሰማሚዕኪ ዝኣተኽዮ አንተኾነ።

ኩፍራ KOOFRA ክሕግዘኪ ይኽአል አዩ!

KOOFRA

  • ንግዳያት ናይ መስርሕ ምስግጋር ደቒ ሰባት ይህግዝ
  • ናጻ ኣካል አዩ
  • ምኽሪን ሓበሬታን ይህብ

ናይ ድጋፍን ሓገዝን መሰል ኣለኪ

  • ንሕና ምኽሪ ንልግሰልኪ
  • አቲ ዝርርብ ኣም ሞንጎና ውሑስ ወይ ምስጢራዊ አዩ
  • ናብ ካልአ ኣሕሊፍና ሓበሬታኺ ኣይንህብን ኢና
  • ሰራሕተኛታትና ውን ካብ መቦቖል ሃገርኪ ዝመጹን ቛንቛኺ ዝዛረቡን አዮም

ኩፍራ አንታይ ትልግስ?

  • ኣገልግሎት ናይ መነባብሪ፡ ቀረብ ናይ መድሃኒት፡ ኣገልግሎት ናይ ናብራ ሐገዝ፡ ናጻ ናይ ሕጊ ምኽሪ
  • ናብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈታ ምስናይ
  • ድጋፍ ብዛዕባ ናይ ፓስፖርት ጉዳያት
  • ድሌት አንተለካ፡ ናብ ፖሊስ ምስናይ
  • ድሌት አንተለካ፡ ናብ ዓድኻ ናይ ምምላስ ሓገዝ
  • ብዙሕ ካልአ ዘይተጠቕሰን